-

 

-

 

 

 

    Home to extencive collections which documents the people, places and events of Eritrea´s past.

-

  ኤርትርዮስ መርበብ ሰነዳትን ታሪኽን     موقع اريتري للوتاىق التاريخية     عربي ትግርኛ Home   

 

 

 

Home
1900
1940s
1950s
1960s
1970s
1980s
1990s
2000
Manqa
Memories
Folktales
Pictures
-----    


Dynamic people of Eritrea

By Petty La Duke


ተዘክሮታት ገዲም ተጋዳላይ መሓመድ ኢድሪስ ሑመዳይ - ናይ ሱሳታት 

ዳማይ ክፋል   ኣይዳ ኪዳኔ ስዊደን   
ኣብ ሱሳታት ዝነበረ ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ግብጺ  ንምግላጽ : ኣብ መንጎ ኢብራሂም ሱልጣንን ኢድሪስ መሓመድ ኣደምን ዘይምስምማዕ ነይሩ::
  ናይዚ ቀንዲ መልዓሊ
  ምኽንያት ድማ : ብሓደ ወገን ኢድሪስ መሓመድ ኣደም ኣቦ መንበር ፓርላማ ኤርትራ : ኢብራሂም ሱልጣን ድማ ሴክረተሪ ሰልፊ ኣልራቢጣ እስላምያ ብምንባሮም: ኣብቲ ዝቐርብ ዝነበረ ጽሑፋት ዘይምርድዳእ የጋጥም ነይሩ:: ብዘይካ'  መን'ዮ ቅድም ዝፍርም ኣብ ዝብል ጉዳይ ይሰሓሓቡ ነይሮም:: ከምኡ ድማ ኢድሪስ መሓመድ ኣደም ካብ መስረትቲ ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ክኸውን እንከሎ ኢብራሂም ሱልጣን ኣባል  ማሕበር ሸውዓተ ሰልፊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ: ነፍስ ወከፎም  ምስጢራዊ ኣካይዳ ስለዝነበሮምን  ኣወዳድባ ናይዘን ውድባት ንገዛእ ርእሱ ግሉጽ ኣይነበረን:: ቀጽሉ...


 ባእሲ ኣብ መንጎ ዓተኮሎምን ዓዲ ዘማትን
   ሃኪንን መለኪንን ከብቶም ሒዞም ኣብ ጭንድቕ ኣትዮም ነበሩ:: ዓተኮሎም ከአ ክዘምትዎም መዲቦም: ሃኪንን መለኪንን ኣብኡ ምሕላዎምን ዘይ ምሕላዎምን ክፈልጡ ቢሎም ኣቀዲሞም ሰለይቲ ሰደዱ:: ሃኪንን መለኪንን ኣንተልዮም ናቲ ሓሳቦም ከቕዋርጹዎ: እንተ ዘየልዮም ከአ ክዘምቱ እዩ መደቦም::
   ሃኪንን መለኪንን ከአ ብአጋጣሚ ንዓዲ ከይዶም ጸንሑ: እሞ እቶም ክስልዩ እተላእኹ ተመሊሶም ሃኪንን መለኪንን የለዉን በሉዎም: እሞ ሽዑ ዓተኮሎም ንዝመት ኢሎም ዓጢቖም ነቐሉ::

   ሃኪንን መለኪንን ከ አ ከብትና በይነን እየን ዘለዋ ኢሎም ኪድ ሓዲሮም ወጋሕታ ኣብ ከብቶም መጹ:: ንግሆ እተን ከብቲ ኣላዳ ወፊረን እንከለዋ: ዓተኮሎም ዘመትወን: እሞ መለኪን ንሃኪን ሕጂስ የበግስወን ሕደግ: ረስኖም ምስ ዘሓለ ይኹነልና በሎ:: ቀጽሉ..


መነባብሮን መናበርን ናይ ሐረስታይ ሃገርና ኤርትራ ካብ ዝሐለፈ ኣቓውማ ሕብረተ ሰብና ብኸፊል ንምሳለ ኣ

ብ ከበሳታት ኤርትራ: መን ይፈልጥ::

   ብማሕረስን ጥሪትን ከምኡ ውን ኣእዋም (ወይ ኣግራብ) ኣጠቃቕማን ዓይነትን:: ንምሳሌ ማሕረስ ኣብ ከበሳ - ኣብ ክልተ ይክፈል ዴሳን ጽልማን ድማ ይበሃል:: ጽልሚ ክበሃል ከሎ ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ዝበዝሕ ክኸውን ይኽእል ኢዩ:: ዴሳ እውን ኣብ ኣውራጃ ሐማሴን ዝበዝሔ ክፋላት ከምዘሎ ብሩህ እዩ:: ዝሕረስ መሬት ኣብ ውሽጢ ክሊ ሐንቲ ዓዲ: ኣብ ሰለስተ ይኽፈል:: ቀዳማይ 1, ገደና, 2, ጎልጎል ሌጣ 3, ጎቦ::

   እዚ ክበሃል ከሎ ከም እንፈልጦ ብዙሕ ሰብ ዝቕመጦ ዓዲ ይጽዋዕ:: እዛ ዓዲ እዚኣ ኩሉ ኣካባቢ መሬታ ሽም ዘለዎ: ማለት ምብራቕ ምዕራብ ስሜን ደቡብ ዘይኮነ: ድሕሪ ዓዲ: ቅድሚ ዓዲ ገደኑ: ምውፋር ቀልቀል: ምውራድ ማይ: መንገዲ ጎደቦ ዓዲ: እንዳበሉ ይጽዋእ:: ቀጽሉ..


ማእሰርቲ ሓምድ ሃጂርን ኣረይ ወዲ በየድን
   ንሓመድ ሃጂርን ንኣረይ ወዲ በየድን ድግለል ሙሳ ብኣሉላ ኣእሰሮም:: ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ከአ ኣረይ ብሕማም ለምጺ (ጅድሪ) ሞተ::ንሓመድ ሃጂር ከአ ካብ ማእሰርቲ ፈትሖ::
   ንሓመድ ሃጂር  ምስ ተፈትሔ: ሸፊቱ ኣብ ጋሽ ሰፈረ:: ካብኡ እናወፈረ ካብ ፈቐዶ ኡ እናዘመተ ይነብር ነሩ:: ደሐር'ዚ ጥልያን ኣተዉ:: ኣምሓራ ከአ ተሳዒሮም ናብ ሃገሮም ተመልሱ::
   ደሐር ጥልያን ዘማት ወዲ ኡኩትን ንሓመድ ሃጂርን  ክሽፍቱ ይደልዩ ኣለዉ ተባሂሎም: ጣልያን ኣሲሮም ኣናወሰዱዎም እንከለዉ: ብአጋጣሚ ሐደ ባዓል ጀልባ መጸ'ሞ ንሓመድ ሃጂር ጸሊቁ ኣብታ ጀልባ ኣተወ እሞ እቲ ባዓል ጀልባ ንሓመድ ሃጂርን በታ ጀልባ ዓዲ ኣምሓራ ኣተዉ::
  ኣብኡ ተቀቢሎሞም ክሳብ ሕጂ'ውን ኣብኡ ኣለዉ:: ዘማት ከአ ኣብ ናይ ማእሰርቲ ስደቱ ሞተ::

ኣብ ሰብዓታት ወድ ወዱ ንሓምድ ሃጂር- ነታብ ብኒ ዓምራይ - ኣብ ኣቆርደት መጺኡ ነይሩ ካብ ዓድ ኣምሓራ: ምስ ኣዝማዱ ተላልዩ:: ብዕድመ ዝደፍኤ ሽማግለ ነበረ:: (ኣቶ ገብሩ ክፍለ)  ቀጽሉ..


ሪቻርድ ሱንድስትሮም - ትርጎማ ኣቶ ገብሩ ክፍለ 2006 - ኡፕሳላ - ሽወደን

ዛንታ ራእሲ ወልደሚካኤልን መርዕድ ሓዉን
   ራእሲ ወልደሚካኤልን ደጊያት መርዕድን ቀደም ከይተሸሙ ንኣይሽቱ እንከለዉ: ንከንቲባ ወልደጋብር ከብቲ ምእንቲ ክህቦም ኢሎም ብጠበንጃ ኣፈራርህዎ:: ንሱ ከአ ደቀይ እግዚኣብሄር ይሃብኩም ኢሉ ኣቀባጢሩሎም ነታ ብረት ምስ መጠዉዎ ድሕሪኡ ኣይተገደሰሎም ሸለል በሎም ንሳቶም ከአ ንብር ኔሮም ምስ ዓበዩ: ከንቲባ ወልደጋብር ጸዓዘጋ ነሩ::
   ካብኡ እናኸዱ እንከሎ መጺዖም እመበት እለኒ ይደልያኻ ኣለዋ ኢሎምዎ: ምስአቶም ኣላገሰ:: ንሳቶም ከአ ኣብኡ ሜስ ኣስትዮም ምስ ሰኸረ ብናይታ ዘግደፎም መሳርያ ኣብኡ ቀተሉዎ:: በቲ ግዜ'ቲ ንሳቶም ሓሓደ ውላድ ነበርዎም:: እሞ ሽዑ ነቶም ክልተ ደቆም ነዲኦምን ወሲዶም ኣብ ከንቲባ በኺት ኣዕቆቡዎም: እሞ ንዓዲ ኣምሓራ ሰገሩ::
   ድሕር'ዚ ድምበዛን ዓዱ ንከንቲባ ወልደጋብር: ንከንቲባ በኺት: ነቶም ደቅን ነታ ሰበይትን ኣረክበና በልዎ:: ከንቲባ በኺት ከአ ንሰለስቲኦም ኣውጺኡ ኣረከቦም:: ተረኪቦም ነቶም ቆልዑ ኣብ ርሑስ ማእሲ ጠቅሊሎም ለይቲ ኣብ ቁሪ የሕድርዎም: መዓልቲ ከአ ኣብ ጸሓይ እናውጽኡ ብኸምዚ እና ኣሳቐይዎም እቲ ማእሲ ምስ ነቐጸ ሞቱ:: ንእመቤት እለኒ ከአ ሓንቲ ባርያ መስመ ኣብ በሊ እናበለት ብጎዘሞ ቆራሪጻ ቀተለታ::

ቀጽሉ..


    Tigringa pdf and word documents

ዛንታ ተገዝ

ትርጎማ ካብ ትግረ: ኣቶ ገብሩ ክፍለ:

ሽወደን 1998
   ተገዝ ኣብ ባርካ ተሸይሙ ነበረ:: እሞ ንኹላቶም ዓበይቲ ዛበሉ ሕረድዎም ኢሉ ኣወጀ:: ኩላቶም ዓበይቲ ከአ ተሐርዱ:: ሐደ ብጽሒ ግን ነቦኡ ክሐርዶ ኢየ ቢሉ ሒዙዎ ከይዱ ኣብ ብዓቲ ሐብኦ:: ደሐር ተገዝ ነቶም መንእሰያት ጸዊዕዎም በለ: ተጽዊዖም ምስ መጹ: "ሕጂ ሑጻ ፍሒስኩም ርግኦ ከአ ሐሊብኩም ኣምጽኡለይ" በሎም::
   እቶም መንእሰያት ምኽሪ ዝህቦም ዓቢ ብዘይምርካቦም ተጬነቁ:: እሞ እቲ ነቦኡ ሓቢኡ ዝነበረ በጽሒ ቆጸራ ሃበና ንበሎ በሎም ኣሞ: ሕራይ ኢሎም ከይዶም:: ቆጸራ ሃበና በሉዎ: ቆጸራ ሂቡዎም እሞ እቲ ወዲ ናብ ኣቦኡ ከይዱ::  ቀጽሉ..


 

ዘረባ ቁልዑ
ዮሃንስ ኮልሞዲን 1909
ቁጽሪ 30 B2


ኣዲናየ ሰብኣይ ደሎኩን
        ዋይ ጽገወይኒ


ኣሎኒ እወ ክንዲ ምሰ
ንየው ነጀው ምድሪ መሰ

ኣዲናየ ሰብኣይ ደሎኩን
ኣሎኒ እወ ክንዲ መርፍእ
ንየው ነጀው ክብል ይጠፍእ

ኣዲናየ ሰብኣይ ደሎኩን
ኣሎኒ እወ ጬዓ መሳሊ 
        ዋይ ጽገወይኒ


ጬዓስ እኻ እሾኽ ይውጽእ
ናባይ ዘሎስ ትፋእ የምጽእ
ትፋእሲ እኻ ኸልቢ የልምጽ

ናባይ ዘሎስ ዕጾ መጾ
ኣነ ይድጉል ነሱ ይግሕጦ
          ዋይ ጽገወይኒ
ግዒተሉ ገዓት መስለስ (መስለስ= 3 ዕሲ)
ኣይጸገብኩን ክብለኒ ኣምሰ
ወሰኽክዎ ጣይታይ ካሲሰ
ላሕጭጭዋ ኣብ መጋርያ ኣመሰ

ኣዲናየ ሰብኣይ ደሎኩን
ኣሎኒ እወ ሐደ ዐይኑ
ዐዲ ጋላ ዝዘምት በይኑ

ኣዲናየ ሰብኣይ ደሎኩን
ኣሎኒ እወ ክንዲ ኹዕሶ
ንየው ነጀው ዝብኢ ይኩልሶ
            ዋይ ጽገወይኒ::  ቀጽሉ...

 


To download Geez Unicode, right-click, using your mouse, on “Download Now” below. Select "Save Target As…", or "Save Link As..." (depending on which browser you use) this will launch a “Save As dialog box” where you can select which folder you want the file saved to.
Once saved, just double click on the application file from its saved location and follow instructions to install.

 Download Now

 

 

 

 

 


                                                                                         عربي / ትግርኛ / Home              


Send mail to Webmaster with questions or comments about this web site.
Copyright © 2008 CompanyLongName
Last modified: 03/21/08

Designed by S.Bakhait